እዘን ስዒበን ዘለዋ ሰሌዳታት፡ ካብ ዓለማዊ ውድብ መግብን ሕርሻን (FAO)፣ ዓለማዊ ባንክ (the World Bank)፣ ከምኡ ውን ዓጸቦ ንዘንጸላልወን ሃገራት ዝከታተል ትካል (Famine Early Warning Systems Network https://fews.net/) ብዝተረኽበ ናይ ዓመተ-2020 ሓበሬታ ተሞርኲስካ ዝተዳለዋ እየን። ኣብዚ ቀሪቡ ዘሎ ናይ ኣእካል ዋጋታት ተሞርኲስና፡ ኣብ ዕዳጋታት ኤርትራ ዘሎ ምምስሳላት ወይ ፍሉይነታት ብኸመይ ክግለጽ ኽምዝኽእል ክንግንዘብ ኢና።
ሰደቓ ቁ.1፡ ኣብ ከባቢ መፈለምታ ዓመተ-2020፡ ኣብ መዳውብቲ ኤርትራ ዝኾና ሃገራት ንዝነበረ ዋጋታ የመልክት። እቲ ብናቕፋ ተገሊጹ ዘሎ ዋጋታት ንመወዳደሪ ክኸውን ዝተዳለወ ኴይኑ፡ ብመጠን ሸርፊ 1$=15 ናቕፋ ኢዩ ተተሚኑ።
ሰደቓ ቁ.1 ኣብ መዳውብቲ ኤርትራ ዘሎ ዕዳጋታት ኣእካል፡ 2020
ምንጪ፡ Famine Early Warning Systems Network https://fews.net/. Ethiopia price bulletin, May 2020; and Sudan price bulletin, January 2020
*ዕዳጋታት ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2020፡ ዕዳጋታት ሱዳን ከኣ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ንዝነበረ ዋጋታት የርኢ።
ቀጺሉ ቀሪቡ ዘሎ ሰደቓ ቁ.2፡ ዋጋታት ኣእካል ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋታት የርኢ። እዚ ዋጋታት፡ ነቲ ኣብ ከባቢ ወርሒ ለካቲት 2020 ዝነበረ ዝኸበረ ዋጋታት ኢዩ ዘንጸባርቕ። ብመሰረት ጸብጻባት ዓለማዊ ባንክ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዋጋታት ኣእካል ካብቲ ኣብ ለካቲት ዝነበሮ ብዙሕ ከምዘይተቐየረ ኢዩ ዘርእይ። እኳደኣ፡ ብተዛማዲ ቁሩብ ሓሲሩ ይርከብ። ከም ኣብነት፤ ናይ ኣሜሪካ ስርናይ ኣብ ወርሒ ሰነ ካብቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝነበሮ ብ 10% ጎዲሉ ይርከብ።
ሰደቓ ቁ.2 እተርእዮ ቀመር ዋጋታት ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ብኸምዚ ዝስዕብ ይግለጽ፤
ኣብ ቀዳመይቲ መስመር፡ ዋጋታት ኣእካል ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋ ብመንጽር ዶላር ንሓደ ቶን የርኢ። ሓደ ቶን 10 ኩንታን ኢዩ ዝኸውን ዘሎ።
ካልአይቲ መስመር፡ ካብ ዓለማዊ ዕዳጋ ዝተገዝአ እኽሊ ኣብ ባጽዕ ንኽበጽሕ ዘድሊ ናይ መጓዓዝያ ወጻኢታት ምስተወሰኾ የርኢ (CIF price)። ናይ መጓዓዝያ ዋጋ፡ ንሓደ ቶን ብ100 ዶላር ኣሜሪካ ኢዩ ተተሚኑ። እዚ ዋጋዚ ሓደ ካብቲ ዝኸበረ ኴይኑ፡ ሱዳን ካብ መጻብቦ ሜክሲኮ ንእተምጽኦም ኣእካል እትኸፍሎ ዋጋታት የንጸባርቕ።
3ይቲ መስመር፡ ናይ መኻዚኖ ወጻኢታት፣ ብሰንኪ ኣብ ጉዕዞን ኣብ መኽዘንን ዝበላሾ ኣእካል ዝህሉ ክሳራ፣ ከምኡ ውን ናይ ነጋዳይ መኽሰብን ኣብ ግምት ንምእታው፡ ነቲ ኣብ ባጽዕ ክበጽሕ እንከሎ ዝነበረ ዋጋ (CIF price) ብዕጽፊ ንወስኮ። ኣብ ኤርትራ፡ እዚ ዋጋ እዚ ኢዩ ናይ ዕዳጋ/መሸጢ ዋጋ ክኸውን ዝግብኦ።
4ይቲ መስመር፡ መሸጢ ዋጋ ኣእካል ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብመንጽር ናቕፋ ንሓደ ኩንታል የርኢ። መጠነ ሸርፊ፤ በቲ ዘሎ ዕዳጋ፡ ማለት 1$=15 ናቕፋ ኢዩ ተተሚኑ።
5ይቲ መስመር፡ በዚ ዝረኣናዮ ቀመር መሰረት፡ ናይ ሓደ ኪሎ ሩዝ ዋጋ ክንደይ ክኸውን ከም ዝግባእ ተርኢ።
ሰደቓ ቁ.2 ዋጋታት ኣእካል ካብ ዓለማዊ ዕዳጋ ክሳብ ባጽዕ
ምንጪ፡ ዓለማዊ ውድብ መግብን ሕርሻን፡ ወርሓዊ ጸብጻብ ዋጋታት መግብን ኣንፈታቶምን (FAO, FPMA - Food Price Monitoring and Analysis bulleting, monthely report on food price trends, 12 February 2020)፣ ዓለማዊ ባንክ https://www.worldbank.org/en/research/commodity-markets;.
ስእላዊ መግለጺ ቁ.1፡ መቐጸልታ ሰደቓ ቁ.2 ኴይና፡ ን ኣመዓባብላ ዋጋታት ካብ ዓለማዊ ዕዳጋ ክሳብ ዕዳጋታት ኤርትራ (ብመንጽር እቲ ክኾኖ ዝግብኦ ዝነበረ) ተርኢ።
ቅጺ ቁ.1 ኣመዓባብላ ዋጋታ ካብ ዓለማዊ ዕዳጋ ክሳብ ባጽዕ (ናቕፋ/ኩንታል)
ኣብ ሰደቓ ቁ.2 ዝረኣናዮ ቅማረ ዋጋታ፡ ካብ ክውንነት ዝረሓቐን ግምታውን ምእንቲ ከይመስል፡ ንመገናዘቢ ክኾነና ኣብ መዳውብቲ ኤርትራ ዝኾና ሃገራት ዘሎ ዕዳጋታ ከመይ ከምዝመስል እስከ ንተዓዘብ።
ሰደቓ ቁ.3. ዋጋታ ጎረባብቲ ሃገራትን ዓለማዊ ዕዳጋን ምበንጽር ዕዳጋታት ኤርትራ ተርኢ። ሰማያዊ ሕብሪ ተዋሂቡዋ ዘሎ ሳጹን፡ ኣብ ዝፈላለየ ዕዳጋታ ዘሎ ዘቤታዊ ዋጋታት ብመንጽር ዶላርን ናቕፋን የርኢ። ብጫ ሳጹን፡ እዚ ኣእካል ካብዘን ዝተፈላለያ ሃገራት ንኤርትራ እንተደኣ ኣትዩ፡ ኣብ ኤርትራ ንዝህልዎ መሸጢ ዋጋ የርኢ። ቀዪሕ ሳጹን ከኣ ንህሉው ሓርፋፍ ዋጋታት ኣእካል ኣብ ውሽጢ ኤርትራ የርኢ።
ዋጋ ስርናይ ከም መርኣዪ እንተወሲድና፡ ዋጋ ሓደ ኩንታል ናይ ኣሜሪካ ስርናይ፡ ካብ ዓለማዊ ዕዳጋ ክሳብ ናብ ዕዳጋታት ኤርትራ ዝበጽሕ፡ ዋግኡ 1011 ናቕፋ ኣቢሉ ከምዝበጽሕ ኣብ ሰደቓ ቁ.2 ርኢና ጸኒሕና። ኣብ ዕዳጋታት ገዳርፍ (ሱዳን)፡ ተመሳሳሊ ፍርያት ብ1030 ናቕፋ (69 ዶላር) ንረኽቦ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ውን ሰርናይ ትሕቲ 1000 ናቕፋ (771 ናቕፋ) ምዃኑ ንግንዘብ።
ነዚ ኣብ ሰደቓ ቁ.2 ዝርአናዮ ቅማረን፡ ኣብ መዳውብትና ዝኾና ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ዋጋታትን ኣዝዩ ተመሳሳኢ ምዃኑ ካብ ሰደቓ ቁ.3 ብቐሊሉ ክንግንዘብ ካብ ክኣልና፡ እቲ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ እምበኣር፤ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዋጋታ ልዕሊ 4 ዕጽፊ ናይ’ቲ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ዋጋታ ዝኾነሉ ደኣ እሞ እንታይ ኢዩ፧ ዝብል ኢዩ ዝኸውን።
ሰደቓ ቁ.3 ህሉው ዕዳጋታት ኤርትራ ምስ ዋጋታት ጎረባብቲ ሃገራት እንክዛመድ
FAO, Famine Early Worning Systems Network & informal reports on Eritrean domestic market
* ናይ ዕድጊ ዋጋን መጉዓዝያ ይጠቓልል
** ናይ ዕድጊ ዋጋ፣ መጉዓዝያ፣ መኽሰብ ነጋኣይን የጠቓልል
ቅጺ ቁ.2 መቐጸልታ ሰደቓ ቁ.3 ኴይና፡ ኣብ ሞንጎ እቲ ክህሉ ዝግብኦ ዋጋታትን ኣቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ዋጋታትን ዘሎ ጋግ ተርኢ። ኣብዚ ከም መወዳደሪ ተወሲዱ ዘሎ ናይ ስርናይ ዋጋታት ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዋጋ ስርናይ በቲ ዝተሓተ ዋጋ ወላ እንተ ተመንናዮ፡ ዋጋታት ኤርትራ፡ ብውሑዱ ሰለስተ ዕጽፊ ናይቲ ክኾኖ ዝግብኦ ኴይኑ ንረኽቦ። ከም ብዓል ሩዝ ዝኣመሰሉ ከኣ ክሳብ 7 ዕጽፊ ንሂሮም ንረኽቦም።
ቅጺ ቁ.2 ዋጋታት እኽሊ ኣብ ውሽጣውን ኣህጉራውን ዕዳጋታት (ናቕፋ/ኩንታል)
ነዛ ኣብ ላዕሊ ዝተሓተተት ሕቶ ቅድሚ ምምላስና፡ እቲ ከም መወዳደሪ እንጥቀመሉ ዘለና እኽሊ (ስርናይ)፡ ከም ብዓል ሱዳን ዝኣመሰላ ሃገራት ከም ሰበን ካብ ዓለማዊ ዕዳጋ ከም ዝሽምትኦ ምግንዛብ የድሊ። ብካልእ ኣበሃህላ፡ እቲ እዘን ሃገራት ዝሽምታሉ ዕዳጋታት፡ ኤርትራ ውን ብማዕረ ክትሳተፈሉ እትኽእል ክፉት ዕዳጋ ኢዩ።
እዚ ዋጋታትዚ ኣብ ዓመተ-2020 ዝነበረ'ዩ። ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት 2021፡ 2022፡ 2023፡ 2024 ከ ከመይ ይህሉ፧ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዘይርጉእ ቁጠባውን ፖለቲካውን ሃዋህው ስለዘለዋ ምስ ዕዳጋታተን ምንጽጻር ሓባሪ ኣይመስለንን። ምስ ከም ኬንያ ዝኣመሰላ ምንጽጻር ግና ይከኣል'ዩ። ብዓቢኡ ድማ ዓለማዊ ዕዳጋታት ከም መወከሲ ተጠቒምና ተዛማዲ ክብን ለጠቕን ዋጋታት ምርኣይ ይከኣል'ዩ።
©2020 ፍትዊ ወልዳይ (ናይ መወዳእታ ሕጡበ-ጽሑፍ ኣብ 2024 ተወሲኻ)