ፖለቲካውያን ትካላት ወይ ውድባት ንምንታይ ፍልስፍናዊ መርሓ የድልየን፧
ምኽንያት ህላውአን ብዕላምአን ክግለጽ እንተድኣ ክኢሉ፡ ንዕላምአን ኣብ ሸቶኡ ዘብጽሓሉ መንገዲ ከኣ ብስትራተጂ ከቐምጥኦ እንተኽኢለን እኹል ዶ ኣይኮነን፧
ናይ’ዘን ጽምዲ ሕቶታት ከፊላዊ መልሲ፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ክግለጽ ዝኽእል ይመስለኒ። ኩሉ ተግባር ብሓሳብ እዩ ዝፍልም። ሓሳብ ንመረዳእታ ይመርሕ፡ መረዳእታ ብወገኑ ንተግባር ይመርሕ። ንኣብነት፡ ዕላማታት ወይ ሸቶታት ክሳብ ዝብጽሑ ሓሳባት እዮም። ሓሳባት ብግቡእ ምስዝውደኑ፡ ብስነመጐት ስጡማት መረዳእታታት የቑሙ፣ ብግቡእ ዝተወደነ መረዳእታታት ድማ ኣብ ሸቶና ከብጽሑና ዝኽእሉ ተግባራት ብምትእምማን ከምነተግብር ይገብር። ትካላት ወይ ውድባት፡ ብፍላይ ከም ገድሊ ኤርትራ ዝኣመሰለ ሃንዳሲ ፖለቲካዊ ወፈራ፡ እቲ ዝኽፈሎ ዋጋን፡ ኣብ ህሉውን መጻእን ወለዶታት ዘስዕቦ መቐይሮታትን ዓቢ ስለዝኾነ፡ እቲ ዝውሰድ መንገዲ ቅኑዕን ኣብ ሸቶ ዘብጽሕን ምዃኑ ዝእምት፡ ዘየወላውል ናይ ሓሳብ ንጻረ ክህሉ የገድድ።
ብዛዕባቲ ዘይተበጽሐ ሸቶ፡ ከምኡ ‘ውን ብዛዕባ ዓስቡን ሳዕቤናቱን ዝህልወና ናይ ሓሳብ ንጻረ፡ ብኸመይ ንበጽሖ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኴይኑ ይስምዓኒ። እቲ ምኽንያት ከኣ፡ ነቲ ናብ ሸቶ ዝመርሕ ጉዕዞ ብመረዳእታ ንኽንጐዓዞን ኣብ ሸቶ ምስ በጻሕና ድማ ብግቡእ ከነምሓድሮን ስለዘኽእለና። ኣብዚ ከኣ እዩ ኣገዳስነት ፍልስፍናዊ መርሓ ዝመጽእ፣ ናይ’ቲ ክንበጽሖ እንሕልኖ ግና ገና ዘይበጻሕናዮ ሸቶ ንጹር ራእይ ምእንቲ ክህልወና።
ንምዝማድ ምእንቲ ክጥዕም፡ ካብ ሕመረት ዛዕባና ቁሩብ ከላግሰኩም፤ ሰብ ጥርኑፍ ስርዓት ኣምልኾ ከዘውትር ምስጀመረ፡ ንእምነቱ ብዝተማእከለ ዘምሓድሩሉ ኣገልገልቲ ብምምዛዝ፡ መለኮታዊ ትሕዝቶ እምነት ኣሻማዊ/ተገራጫዊ ትርጉም ንኸይሕዝ ይከላኸል። ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ውን እንተኾነ፡ ብኸምኡ እዩ ዝኸይድ (እንተውሓደ ኣብዘን ኣብርሃማዊ መበቆል ዘለወን ሃይማኖታት)። ቅዱሳን መጻሕፍቲ ፍጹማን ስለዝኾኑ ሓደ ኣድማሳዊ ኣተረጓጉማ ክህልዎም’ዩ ዝድለ። ስለዝኾነ ከኣ ብዝተረቚሑ/ብዝተቐብኡ ሰብ ሞያ፡ ብዝተማእከለ መንገዲ ይትርጐም። እዘን ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለወን ሃይማኖንታት ኣብ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባትን ባህልታትን ዝህልዉ ደቀቕትን ፍሩያትን ፍሉይነታት ኣየተኣናግዳን። ሕብረተሰባት ድኣ እየን ነቲ እምነት ዝመስላ እምበር እምነትሲ ብሰንኪ/ብሳላ ፍጹምነቱ ኣይተዓጻጸፍን’ዩ።
በንጻር’ዚ ምስ እምነት ኣተሓሒዘ ዝጠቐስኩዎ፡ ኣብ ማሕበራዊ ፍልጠት እንተ መጺእና፡ ትሕዝቶ ናይ ሓደ መጽሓፍ (ፍልስፍና) ናብ ፍልጠት ንኽጥረግ ብመንጽር ባህልን ሓፈሻዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነትን ናይቲ ተቐባሊ ሕብረተሰብ ክቃነ ኣለዎ። ፍልጠት ብኸምዚ ምስ ዝስረት ኣብ ሕብረተሰብ ብቐሊሉ ይዘሩቕ፣ ናይ ኣተሓሳስባን መነባብሮን መቐይሮ ድማ የምጽእ። ምስ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነታት ዝጠዓዓም ስነሓሳብ፡ ብመረዳእታን ብዋንነትን ስለዝስዓብ ኣይጓነን፣ ንሕብረተሰብ ከም ዕሸል ‘ሀ’ ኢሉ ካብ ባይታ ንኽብገስ ኣየገድዶን። ኣብ ዝባን’ቲ ዝነበረ እናሃነጸ፡ ሃጓፋት ይመልእን ንሕብረተሰብ ንቕድሚት የሰጉምን። ከምዚ ዓይነት ፍልጠት፡ ከተትኣታትዎ ይኹን ንውጽኢቱ ከተምሓድር ኣየጸግምን። ብተጻይ ናይዚ እንተርኢና፡ እቲ ከም መማእዘኒ ሓሳባትና እንጥቀመሉ ፍልስፍናታት፡ ኣብ ባይታ ምስዘሎ ክውንነታት ዝጓነ እንተዄይኑ፡ ብግቡእ ኣይስርትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንብሙሉኡ ሕብረተሰብ ናብ ዕሸል’ዩ ዝቕይሮ። እቲ ዝፈጥሮ ሕንፍሽፍሽ፡ ንሃይማኖታዊ ኣምልኾ ዝቐርብ ዶግማዊ ኣረኣእያታት ይምልምል፣ እቲ ሓሳብ ብመረዳእታ ዘይኮነ ብጎነጽ ከም ዝመሓደር ክኣ ይገብር። ኣብነታት ናይዚ፡ ነዊሕ ከይከድና ኣብ ቤትናን ጎረቤትናን ክሳብ ሕጂ ህያው እዩ ዘሎ።
ነዘን ልዕል ኢለ ዘቐመጥኩወን ሕጡበ ጽሑፍት ከም መመርኰሲ ተጠቒመ፡ ሰውራ ኤርትራ ከም መወከሲ ዝተጠቕመሉን ዝረዓሞን ሰውራዊ ስነሓሳብ (ማርክሳዊ ስነሓሳብ)፡ ብመንጽር ‘ዝሰረተ/grounded’ ፍልጠት ክንግምግሞ ንፈትን።
መቃልዒ/disclaimer፤ ኣብዚ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ ውልቃዊ ግንዛበ እዩ። ከም ገምጋም ሰረተ-ሓሳብ ማርክሳዊ ፍልስፍና ጌርካ ክውሰድ የብሉን። ሓቂ ይሓይሽ ልዕሊ ዓቕመይ እዩ ‘ውን። ንሓደ ንእሽቶይ ክፋሉ ብመንጽር ኤርትራዊ ተመኲሮ ንምርኣዩ ዝሓለነ ጥራይ’ዩ። ኣብ ገሊኡ፡ ንኢ.ሰ.ፓ ወይ ንጀማሂር ዘዘኻኽር ኣዋቕራ ቃላት ጐፍ እንተ’ይልኩም፡ ግዳይ ናይዚ ተላዒሉ ዘሎ ኣርእስቲ ከምዝዀንኩም ተረዲእኩም ተጸመሙኒ 😉
ንኺድ በሉ፤
ቀንዲ መሰረት ናይ ዴሳዊ ስነሓሳብ፡ ማርክሳዊ ስነሓሳብ ከም ምዃኑ መጠን፡ ንቑሩብ ኣብ ዙርያ ማርክሳዊ ስነሓሳብ ክንዝንቢ ኢና። ከም መእተዊ፡ ሰውራ ዝብል ኣምር ብምግላጽ ክፍልም፤ ሰውራ ማለት፡ ንዝነበረ ምሒኻ ምእላይን ኣብ ቦትኡ ሓድሽ ስርዓት ምትካልን የመልክት (“a forcible overthrow of a government or social order, in favour of a new system – www.Lexico.com”)። ሓሳብኩም ኣይተጥፍኡ፡ እዛ ሰውራ እትብል፡ ጽንሕ ኢልና ክንምለሳ ኢና። ንሕጂ ግን ኣብ ማርክሳዊ ስነሓሳብ ክመልሰኩም።
ማርክሳዊ ስነሓሳብ፡ ንሕብረተሰብ ብመልክዕ ደርብታት ይርእዮ፤ እቲ ጸጋታት ዝውንን ዘምሓድርን ብርዥዋ በቲ ሓደ፡ እቲ ናይ ብዙሓን (ሸቃሎ) ደርቢ ከኣ በቲ ካልእ። እዞም ደርብታት፡ ንዋንነት ጸጋታትን ኣመሓድርኦምን ብዝምልከት፡ ተጻረርቲ ሸቶታት/ዕላማታት ኣለዉዎም ኢሉ ይኣምን። ረብሓ ናይ ብርዥዋ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ረብሓታት ሸቃሎ ብምቑርማም እዩ ዝረጋገጽ ኢሉ ስለድዝድምድም፡ እቲ ናይ ሸቃሎ ደርቢ፡ “ኣብ መወዳእታ ፍትሓዊ ቃልሲ ኣልዒሉ፡ ዋንነት ጸጋታት የረጋግጽን የመቓርሕን” ዝብል ሳዕቤን፡ ዘይተርፍ መዓልቦ ናይዚ ፖለቲካውን ቁጠባውን ስርርዕ ገይሩ የቐምጦ።
ኣብዚ፡ ካብ’ቲ ‘ቅኑዕን ጌጋን’ ዝብል ኣልማማዊ ፍርዲ ወጺእና ብርትዓዊ ዓይኒ እንተርኢናዮ፡ ማርክሳዊ ኣረኣእያ ነቲ ንኢንዱስትሪያዊ ሰውራ ተኸቲሉ ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ንዝተራእየ ማሕበረ-ቁጠባዊ ለውጥታት እዩ ዝያዳ ዘንጸባርቕ። ወነንቲ ርእሰማል፡ ወነንቲ ኣፍረይቲ ትካላት ምስ ምዃኖም ተተሓሒዙ ክልተ ሓደስቲ ደርብታት ኣምጺኡ፤ ብርዥዋን ሸቃላይን። ብኣረኣእያ ማርክስ፡ እቶም ወነንቲ ርእሰማል/ፋብሪካታት ነቶም ሸቃሎ ርትዓዊ ዓስቦም ኣይከፍሉዎምን፣ ብዋጋ ሸቃሎ ዝያዳ ርእሰማል የኻዕብቱ። ብሓጺሩ ድሕሪ ኢንዱስትሪያዊ ሰውራ ዝስዓበ ርእሰማላዊ ስርርዕ (capitalist economic order/structure) ንሰብ ርእሰማል ዘርብሕ፡ ንሸቃሎ ግና ዝምዝምዝ ዘይምዕሩይ ስርዓት ገይሩ ይቐርጾ። እዚ ከኣ’ዩ፡ ማርክሳዊ ግንዛበ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ታሪኻዊ ሓቅታት ብግቡእ ዘንጸባርቕ ኴይኑ ይስምዓኒ ዘበልኒ። እዚ ኲነት’ዚ ካብቲ ዝተኸስተሉ እዋንን ሕብረተሰብን ቦጥቊልና እንተውጺእናዮ ምሉእን ርትዓውን ስእሊ ኣይህብን።
ናይ’ቲ እዋን’ቲ ማሕበረቁጠባዊ ኣቃውማ እንተተዓዚብና፡ እቲ ፖለቲካዊ ስርዓትን ኣዋቕርኡን ነዚ ቁጠባዊ ስርርዕ ብዘቐጽልን ዘውሕስን መንገዲ ዝተቐለስ እዩ ነይሩ፣ ብመሰረቱ፡ ቀንዲ ተዋሳእቱን ኣመሓደርቱን ካብቶም ኣብ ላዕለዋይ ቁጠባውን ማሕበራውን ጽላታት ማሕበረሰብ ስለዝኾኑ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ 2ይ መፋርቕ መበል 19 ክ/ዝ እንተ ተዓዚብና እዚ ኲነንታት’ዚ፡ ማለት ደርባዊ መልክዕ ዝሓዘ ማሕበራውን ቁጠባውን ወጽዓታት ግሁድ’ዩ ነይሩ። ናይቲ እዋን’ቲ ወጽዓታትን ካልኦት ክዉንነታትን ዕሙር ባይታ ስለዝሃቡ፡ ማርክሳዊን ንኣኡ ዝመስሉ ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘተኲሩ ፍልስፍናታትን ኣብ ቀዳማይ ክፋል መበል 20 ክ/ዘ እናሰወዱ መጺኦም። እዚ ስነሓሳባዊ ዝመሰረቱ ውዳበታት፡ ፈለማ ምስ ምምጻእ ቦልሾቪክ፡ ድሒሩ ድማ ምስ ምምስራትን ምሕያልን ሕብረት ሶቭየት፡ ቅርጺ መንግስቲ ሒዙ ዝያዳ ሓይሉ።
ከምዚይሉ፡ ማርክሳዊ ፍልስፍና ዝመሰረቱ ደሳዊ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ስርርዕ በቲ ሓደ፡ ርእሰማላዊ ማሕበረ-ቊጠባቢ ስርርዕ ድማ ብመንጽሩ፡ ኣብ ናይ መን በለጸ ቅልስ ተጸሚዶም ከባቢ 40 ዓመታት ምስ አሕለፉ፡ ንካልኣይ ኲናት ዓለም ስዒቡ ኮሎንያሊዝም ንምውጋዝ ዝደፍእ ክስተታት ማዕቢሉ።
ድሕሪ ምኽታም ኮሎንያሊዝም፡ ብዙሓት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበራን ፈለማየን ናጽነተን ዝዓተራን ሃገራት፡ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ምስ ተጸንበራ፡ እቲ ኣብ ዕዳጋ ዝጸንሐን ተራጻሚ ማሕበረ-ቁጠባዊ ስነሓሳባት እምብኣር ዴሳውን ርእሰማላውን ዝብል እዩ ነይሩ። ናይቲ እዋን’ቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነተ-ህላወ ናይዘን ሃገራት ኣብ ግምት አእቲኻ ድማ ካብቲ ኣብ ዕዳጋ ዝነበረ ፍልስፍናታት እቲ ንወድዓዊ ኩነታተን ዝያዳ ዝመስሎ፡ ማርክሳዊ ስነሓሳብ ዝመሰረቱ እዩ ነይሩ። ናይ ኤርትራ ተመኩሮ ‘ውን ብመንጽር’ዚ ዝርአ ይመስለኒ።
ነዚ ሓርፋፍን ሓጺርን ግንዛበ ማርክሳዊ ስነሓሳብ በዘን ዝስዕባ ክልተ ነጥብታት ክጥርንፈን’የ። ነዘን ነጥብታት ከም መበገሲ ገይረ፡ ንሓድግታት ሰውራዊ መወከሲታትና ብዝምልከት ነቐፌታዊ ርእይቶይ ከቐምጥ’የ። ጽሑፈይ ኣጽብብ ኣቢለ ብዝከኣል ኣብ’ቲ ፍርዝን ዝበለ ጥራይ ክሓጽሮ ክፍትን’የ።
1. ማርክሳዊ ስነሓሳብ ንማሕበረሰብ ብመንጽር ደርብታት ይርእዮ። እቶም ደርብታት፡ ንጹር ደረት ዘለዎምን ኣብ ተጻያዊ ምጥምማት ከምዝነብሩን ይእምት፣
2. ናይ ጸጋታት ርትዓዊ ምምቕራሕ ንምውሓስ ደርባዊ ቃልሲ ይትንበ። ኣብ ቁጠባዊ ጥርዚ ዘሎ ደርቢ፡ ብወለንታ ቁጠባዊ ረብሓን ፖለቲካዊ ስልጣንን ክማቐል/ከረክብ ፍቓደኛ ስለዘይከውን፡ ብመልክዕ ሰውራ፡ ሓይሊ ምጥቃም ከም ቅቡልን ርትዓውን መስርሕ ለውጢ ይውሰዶ።
ክሳብ ሕጂ ድሕረ-ባይታ ኢና ከነንጽፍ ጸኒሕና፣ ሕጂ ናብ ቁምነገርና። ከምቲ ኣብ መእተዊ ብሕቶ ዝፈለምኩ፡ ነዛ ዓምዲ ውን ብሕቶ ከማእዝና፤
ኣብ 2ይ መፋርቕ መበል 19 ክ/ዘ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ነዘን ክልተ ነጥብታት ዝዕድም ዶ ነይሩ፧
ነዛ ሕቶ ንምምላስ፡ ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት ነስተብህለለን፤
ንደርባዊ ረጽሚ ከመሓድር ዝቖመ ስነሓሳብ ንኤርትራዊ ባይታ ይበቕዖ ዶ፧ እቲ ብሰውራ ቦርቊቚካ ክንቀሉ ዝድለዩ ማሕበረ-ቀጠባዊ ትካላት ኣየኖት ኢዮም፧
ንሓደ ብሕርሻን መጓሰን ዝመሓደር ህዝቢ እቲ ቀንዲ ንዋት ማእቶት፡ መሬት እዩ። መሬት ዝውንን ሓረስታይ ምስ ኩሉ ወዲ ዓዲ ዘመዛዝኖ ክብረትን (dignity) ውሕስነት ናብራን (tenure security) ኣለዎ ማለት’ዩ። ቅድሚ ምምጻእ ጣልያን ሱር ዝሰደደ ፊውዳላዊ ስርዓት ኣይነበረን፣ ወላኳ ዋንነት መሬት ብዝተፈላለየ ኣሽማት ድኣ ይጸዋዕ እምበር፡ ኣብቲ ዝበዝሐ፡ ዋንነት መሬት ብዓቢኡ ኣብ ኢድ ዓዲ እዩ ነይሩ። ጣልያን ኣብ ኤርትራ ከም ገዛኢ ምስ ሰረተ፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሸቶታት ንምህራም ዝዓለመ ምድያስ መሬት፡ ንኮማዊ ዋንነት መሬት ርእሱ ዝኸኣለ ሓድሽ ሓይሊ ሂቡዎ (Royal Decree 7th February 1926)። ስለዚ፡ ሓደ ንሕብረተሰብ ብመንጽር ደርባዊ ጽላታት ዝርኢ ማሕበራዊ ፍልስፍና፡ ኣብ ሓደ ምዕሩይ ዝርግሐ ዋንነት ናውቲ ማእቶት ዘለዎ ሕብረተሰብ ባይታ ክህልዎ ኣይክእልን።
እቲ ዝያዳ ሃሳዩ ጎድኒ ማርክሳዊ ስነሓሳብ ግና፡ ጎነጻዊ ሓይሊ ከም ቅቡል ፖለቲካዊ መሳርሒ ዝኹስኩስ ምዃኑ እዩ። ሰውራ ንሓደ ዝጸንሐ ካብ ሱሩ ምሒውካ፡ መተካእትኡ ካልእ ሓድሽ ስርዓት ምትካል የመልክት። ኣብ ሰውራ ኣመጻጽኣ ለውጢ ማዕረ እቲ ዝትከል ስርዓት ኣገዳስነት ኣለዎ። ሓይሊ ከም ቅቡል መሳርሒ ፖለቲካዊ ለውጢ ስለ ዝውሰድ፡ ምምጻእ ለውጢ ጥራይ ዘይኮነ ድሕሪ ለውጢ ዝትከል ስርዓት ውን፡ ስነመጐት ሓይሊ ከም ቀንዲ መሳርሒኡ ገይሩ’ዩ ዝዕቅቦ። እቲ ቀንዲ ሱር ምልኪ ድማ ኣብዚ ዝዝራእ ይመስለኒ። ጐነጽ ከም ቀንዲ መፍትሒ ፍልልያት ይልመድ፣ ብጎነጽ ዝመጸ ለውጢ ብጎነጽ ይሕሎ። ነቶም ንዴሳዊ (ማርክሳዊ) ማሕበራዊ ስነሓሳብ ከም መምርሒኦም ዝተቐበሉዎ፡ ልክዕ ከምዚ ‘ንብዓል ማርቴሎ፡ ኩሉ ምስማር ኰይኑ ይርኣዮ” ዝብሃል፡ ነቲ ዝጸንሐ ብዓይኒ ድሑርን ክቕየር ዝግብኦን ልምድታት ጌርካ ምውሳዱን፡ ኣብ ክንድኡ ዘይተኸለሰ ናይ ዕዳጋ ስነሓሳባት ንኽሰርጽ ምስግዳድን ይልመድ።
እዚ ናይ መበል 21 ክ/ዘ ሰውራታት፡ ሱር በተኻዊ ለውጥታት፡ ርጂም ቸንጅታት፡ ወዘተ ኸ ከምቲ ናይ ‘ስነሓሳብ ኣያታቱ፡ ኣቦታቱን ኣቦሓጎታቱን’ ከየንደልህጽ እንታ'ዩ ልጓሙ፧
ንሎሚ ኣብዚ ይእከለኒ።
እግረ-ጽሑፍ፤ ኣብዛ ሓጻር ጽሕፍቲ፡ ነቀፌታዊ ጦብላሕታ እየ ከቐምት ፈቲነ ዘለኹ፣ እዚ ውን ኣዝዩ ብዝተወሰነ መልክዑ። ተሞክሮ ዴሳዊ ስነሓሳብ ኣብ ኤርትራ፡ ከም ኩሉ ተመኩሮታት ኣወንታን ኣሉታን ክእልዎ ባህርያዊ’ዩ። ስለዚ፡ ካልኦት ጽሓፍቲ ብርዐይ ክቕበሉኒ ተስፋ እገብር።
ሓምለ 2022 (2024)