Sunday, August 15, 2021

ውጥን ከተማን ሲቪካዊ ንቕሓትን

ሓንቲ ወጻእተኛ ኣብ ኤርትራ መጺኣ “ድሕሪ መግዛእቲ ጣልያን ዝተሃንጹ ገዛውትታኩም/እንዳታት  (neighborhoods) ኣርእዩኒ” ኢላ እንተትሓትት’ሞ፡ ነተን ብግዜ ደርግን ድሕሪ ናጽነትን ዝተሰርሓ ገዛውቲ እንተትርኢ “ኦይ! እዚኦም’ሲ ብዛዕባ ኣባይትን ከተማን ዘለዎም መረዳእታ፡ ካብ ዓንኬል’ቲ ማዝሎው  (ኣብርሃም ማዝሎው, 1943) መባእታዊ ድሌታት (physiological needs) ኢሉ ዝገልጾ ጌና ኣይወጹን” ምበለት ኢለ እግምት። እዚ ከም ነቐፌታ ዝያዳ ናብ’ቶም እዚ መዝነታት ዝምልከቶም ኣመሓደርቲ ዝቐንዕ ኮይኑ፡ ብሓኣፈሻ ግን ኣባና ኣብ ህዝቢ ንዘሎ ድሩት መረዳእታ ውን የመልክት። ገዛ ክበሃል ከሎ መጽለሊ ጥራይ፡ ከተማ ክበሃል ከሎ ከኣ ብጻዕቂ ዝተሃንጹ እኩባት ገዛውቲ ዘቑምዎ መልክዓ-ምድሪ (ጂኦግራፊያዊ ባእታ) ጌርና ከም እንርድኦ ስለ ዝመስል።

ከምዚ ናትና፡ ብማሕበራዊ ኣቃውምአን ሕብረ-ብዙሓት ዝኾና ሃገራት፡ ማለት ናይ ባህሊ፣ እምነትን ብሄርን ብዙሕነት ዘለወን ሃገራት፡ እዚ መረዳእታ’ዚ በቲ ቅኑዕ መረዳእታ ክትካእ እንተዘይክኢሉ ኣብ መጻኢ ንውህደት ህዝበና ብኣሉታ ክጸሉ ተኽእሎ ኣለዎ። 

ከተማ ማለት፡ ጻዕቂ ናይ እኩብ ገዛውቲ፣ ነዋሕቲ ሕንጻታት፣ ጽርግያታት፣ ቀረባት ማይን ጸዓትን፣ ምውጋን ደረቕን ፈሳስን ርስሓት ማለት (ጥራይ) ኣይኮነን። በዚ ብፍላይ ድሕሪ መበል ዕስራ ክፍለ-ዘበን እናወርጸጸ ዝመጸ መረዳእታ፡ እቲ ንሓደ ከተማ ናይ በሓቂ ከተማ ከብሎ ዝኽእል፡ እቲ ከተማ ዝፈጥሮ ባይታ ንህይወት ዝኹስኩስ ድዩ፡ ወላስ መጫጭሒ ሂወት ጥራይ’ዩ ንዝብል ሕቶ ምምላስ፡ ኣንፈት ክህበና ይኽእል’ዩ። ቅልል ብዝበለ፡ እተን መንበሪ ገዛውቲ ብተናጸል ዘይኮነስ ብደረጃ እንዳታት ውሁድ ሓባራዊ መንነት፣ ህይወት ዝኹስኮሰሉን ሲቪካዊ ንቕሓት ዘስንቕን ኣገልግሎታት ክህልወን ኣለዎ ማለት’ዩ። 

መሬት ተመሪሑ፡ ሰብ እንተስ ብውልቁ፡ እንተስ ብመንገዲ ናይ ህንጻ ኩባንያታት መንበሪ ገዛውቲ ይሰርሕ። ሓላፍነት ናይ ሓንቲ ኣብዘን መንበሪ ገዛውቲ ዝነብራ ስድራቤታት፡ ኣብ ክሊ’ቲ ብውልቃዊ ዋንነት ናተይ እትብሎ ቀጽሪ ኢዩ ዝሕጸር። እቲ ኣብ ሞንጎ ህንጻታት ዘሎ ባይታ፣ ሓባራዊ ባይታ (public space) ዝብሃል፡ ዋንነቱ ናይ መንግስቲ  ኴይኑ፡ ከም መላግቦ ነተን ብተናጸል ዝውነና ኣባይቲ ሓደ ሓባራዊ መንነት ይህበን። 

እዘን ናይ ውልቂ ኣባይቲ (ኣብዚ ኣባይቲ ዝነብራ ስድራቤታት) ‘ውህደት ኣለወን’ ክንብለን እንተደኣ ኴንና፡ እቲ ኣብ ሞንጎ’ዘን ህንጻታት ዘሎ ሓባራዊ ባይታ እንታይ ዓይነት ትሕተ-ቅርጽን ቅድን ኣለዎ፧ ከመይ ዝበለ ኣገልግሎታት ከ ይህብ፧ ዝብሉ ሕቶታት ምምላስ የድሊ። ንኣብነት፤ ቆልዑ ብዘይስግኣት ክጻወቱሉን ክላለዩሉን ዘይፍቅድ ባይታ ድዩ፧ ኣረጋውያን ብዘይ ሓደጋ፣ ፍርሕን ምርባሽን ክናፈስሉን ክዛነይሉን ዝምችእ ድዩ፧ ጽፉፍ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት የእንግድ ዶ፧ ሓደጋ ዘውሕድ ንህዝባዊ መጉዓዝያ፣ ኣጋርን ብሽክለታን ቀዳምነት ዝሰርዕ ናይ መጉዓዝያ ትሕተ-ቅርጺ ይውንን ዶ፧ ዝብሉን ካልኦትን ረቛሕቲ ከም ምባእታዊ መምዘኒታት ክንጠቅስ ንኽእል። ንእግረመገደይ፡ ዋንነት ሓባራዊ ቦታታት ናይ መንግስቲ’ዩ ካብ በልና፡ ነዚ ቦታ ንመዓላ ህዝቢ ብዝጥዕምን ህይወት ነበርቲ ብዘሰስን ናይ ምቕያስን ምምሓደርን ሓላፍነት ናይ ምምሕዳር ከተማ መዝነት ኢዩ ንብል ምህላውና መቸም ተገንዚብኩሞ ኣለኹም።

ኣብ ናይ ሎሚ ጽሕፈይ ዝያዳ ክጸቕጠሉ ዝደሊ፡ ኣገዳስነት ቅዲ ከተማ ኣብ ሲቪካዊ ንቕሓት ዜጋታት ዝብል ቴማ ኢዩ። ብፍላይ ድማ ኣገዳስነት ውሑስ፣ ኣሳታፊ (ንኹሉ ክፉት ዝኾነ)፣ ኣብ ከባቢ መንበሪ (ካብ 1 ኪ.ሜ. ኣብ ዘይነውሕ ርሕቀት) ክህሉ ዝግብኦ መጻወትን መዛነይን ቦታታት ኢዩ። እዚኣ ነጥቢ ክትጎልሕ ዝደለኹሉ ምኽንያት፡ ሲቪካዊ ሓላፍነታት ዜጋታት ኣብ ምኹስኳስ ልዑል ግደ ስለ ዘለዎ ኢዩ ። እዚ፡ ብፍላይ ንህጻናትን መንእሰያትን ካብቲ ብስድርኦም ዝውሃቦም ናይ ባህልን መንነትን መሰረታዊ ምህሮ ብዝሰፍሐ ከለብሞምን ግንዛበ ክህቦምን ይኽእል። ማሕበራዊ ብዙሕነት ኣብ ዘአንግድ ከባቢ ምዕባይ፡ ንኸባቢኦምን ሃገሮምን ዝርእዩሉ ዝተወደነ ግንዛበን ምጽውዋርን ከም ዝድልቡ ይገብር። ሓደ-ጎድናውን ጸቢብን ባህላዊ ኣጠማምታታት(ethnocentrism) ንክጽየኑን ክብድህዎን የዳልዎም። 

ባህልታት ብተፈጥሮኦም ዓቃባውያን ኢዮም። ወለዲ ባህላዊ ውርሽኦም ኣብ ውሉዶም ከምሓላልፉ፣ ቀጻልነት ልምድታቶም ከውሕሱ ካብ ዘዘውትሩዎም ሜላታት፤ ንካልኦት ባህልታትን እምነታትን ከም መወከሲ ብምጥቃም፡ ናትካ ምስ ናይ ካልኦት ተወዳዲሩ ዝያድ ከምዝበልጽ ዝእምት ትሕተ-ቃና ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትሕተ-ቃና፡ ባህልታት ብዘልማድ ቀጻልነቶም ከውሕሱ ዝጥቀሙሉ ዋልታ (defece mechanism) እዩ። ከምዚኦም ተርእዮታት ብመሰረቱ ነውሪ ድኣ ኣይኹኑ እምበር፡ ዘይተኸለሱ ተጻያዊ ኣረኣእያታት ንኽስዕርሩ ዝምእምእ ባይታ ናይ ምፍጣር ተኽእሎ ግን ኣለዎም። ነዚ ዝትክእ ቅኑዕ ኣረኣእያ፡ ሲቪካዊ ንቕሓት ዝምልምል ስርዓተ-ትምህርትን ከባብን (ኢንቫይሮመንት) ብምቕላስ ይህነጽ። ብመንጽር’ዚ፡ ውጥን መንበሪ እንዳታት (ረሲደንሽያል ነይበርሁድስ) ኣብ ከተማ ሲቪካዊ ንቕሓት ዜጋታት ዝሃንጽ ከባቢ/እንዳታት ኣብ ምፍጣር ልዑል ተራ ስለዘለዎ ኣብ ኣጀንዳና ክሰፍርን ብዘይ ትጉላባ ክስርሓሉን ይግባእ።  


                                           ይቕጽል

 

©2021 ፍትዊ ወልዳይ


Honoring Educators

There is a saying in my language, Tigrinya: “If someone shows you kindness, either return the favor or share their kindness with others”- ( ...