ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣእምሮይ ክትቀላቐል ዝቐነየት ሓንቲ ሓሳብ ኣላ። ምናልባት ናባኹም ናብ’ዞም መትሎ-መታሎይ ከምትርአ ውን ግምታት ኣለኒ። ንኺድ በሉ···
ካብ 20 ዓመት ን30 ብኡ’ቢልካ ናብ 40ን 50ን ገጽካ ዕድመ እናወሰኽካ፤ ቆልዑ ተወሊዶም ይጉብዙ፡ ጸጉሪ ይሽይብ ወይ ይስሑ ናይ ገሊኡ ከኣ ይንገፍ፡ ዓይኒ መረጼን ትውስኽ፡ ንግሆ ንግሆ መፍትሐይ/ኦክያለይ/ሞባይለይ ኣበይ ኣሎ እናበልካ ሰብ ትህውኽ፡ ወዘተ ··· ወዘተ ···። ኮታስ ብዙሕ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ለውጥታት እዩ ዝሰዕብ።
ሓንቲ ነገር ግን ኣላ ምስቲ ናህሪ ኣካላዊ ለውጥታት ብማዕረ ዘይትስጒም። ንሳ ከኣ ናይ ነብስና ስእሊ ኢያ። እቲ ኣብ ኣእምሮና ዘሎ ናይ ነብስና ስእሊ፡ ብፍላይ እቲ ስነኣእምሮኣዊ ጐድኑ ኣብ ዝተወሰኑ ዓመታት ምስተሰመረ ፈልከት ኣይብልን'ዩ። ኣብዚ፡ ነቲ ብቑልጡፍ ቅጅል ዝብለና (intuitive) መልስና ደኣምበር ነቲ ኣሰላሲልና እንበጽሖ (cognitive) መልስና ኣይኮንኩን ዝእምተሉ ዘለኹ። ንኣብነት ንዓይ እቲ መጀመርያ ብልጭ ዝብለኒ ምስለይ፡ ካብቲ ኣብ መፋርቕ 20ታት ከለኹ ዝነበርኩዎ ብዙሕ ዝተቐየረ ኮይኑ ኣይስምዓንን። ብዕምቆት ኣተሓሳስባ፡ ብስለት ልቦና፡ ናይ ምግንዛብ ክእለት፡ ··· ወዘተ ማለተይ እየ።
ከምዚ ናተይ እንተዄንኩም፡ ምስ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስኹም፡ ንደቂ ዕስራ ዓመት ደቅኹም፡ ምስቲ ንስኹም ኣብ ተመሳሳሊ ክሊ ዕድመ ከለኹም ዝነበረኩም ደረጃ ብስለት ዝመዓራረ መዓቀኒታት ከም ዘማልኡ ትቕበሉዎ ዶ፧ ኣነ ከምዛ ዘይትምልከተኒ ድፍን ኣቢለያ ኢየ ዝሓልፍ። ጥዑይ ኣእምሮ ግና ኣብ ረጽሚ (contradiction) ክነብር ስለዘጸግሞ፡ ከም ተርእዮ ካብ ምንታይ ከምዝብገስ ምሕሳብ ኣይተርፍን’ዩ።
ቆልዑ ከለና፡ ‘ኣየ ቆልዑ ሎምዘበን ከኣ…’፡ ዝብል ኣበሃህላ ካብ ዓበይቲ ንሰምዖ ዝነበርና ልሙድ ዘረባ’ዩ። እዚ ኣብ ሞንጎ ወሎዶታት ዘሎ ክብርታት (values) ኣዛሚድካ ናይ ምርኣይ ከምዘለዎ ኮይኑ፡ ኣነ ክዛረበሉ ዝህቅን ዘለኹ ኣርእስቲ ግና ኣብ ሞንጎ ወሎዶታት ንዘሎ ናይ ክብርታት ምውድዳር ዝምልከት ኣይኮነን። እንታይ ድኣ፧ ሃየ ስዓቡኒ ጥራይ፡ ከትሕዘኩምየ···፤
ከም መረዳእታይ፡ ኣካላዊ ይኹን ባህርያዊ ለውጢታት ብናይ ግዜ ቀመር ክዕቀን ይኽእል ይኸውን። ዕድመ ወዲ ሰብ፡ ማለት ናይቲ ብሓቂ እንላበሶን ኣብ ከባቢና ብእነንጸባርቖ ባህሪ ዝግለጽን ናይ ዕድሜና ቀመር ግና ዝያዳ ብከባቢያዊ ጽልዋ ዝውሰን ይመስለኒ (‘ከባቢያዊ’ ዝብል ቃል ብመንጽር ናይ ‘ተወርሶኣውን ከባብያውን ጽልዋታት ኣብ ባህሪ ወዲ ሰብ’ ዝብል መረዳእታ ኢየ ተጠቒመሉ ዘለኹ)።
ትሕዙኒ ዶ'ለኹም፧
ሓደ ሰብ ኣብ ማእከል ናተይ ዝብሎ ሕብረተሰብን ዝመልኮ ባህልን ዝነብር እንተደኣ ኮይኑ፡ እቲ ሕብረተሰብ ምስ ዕድመ እናተቐያየሩ ኣብ ዝተኻኽኡ መዝነታት ተሳትፎ ክህልዎ ይጽበዮን የተባብዖን’ዩ። እቲ ሕብረተሰብ ናብ ልዕሊ’ቲ/ታ ኣባሉ ዝዀነ/ት ውልቀሰብ ዘንጸባርቖ ባህርያት ከኣ ነዚ ማሕበራዊ ሓላፍነታትን መዝነታትን ዘንጸባርቕ እዩ። ስለዝኾነ፡ ኣቲ ኣባል ሕብረተሰብ ካብ ቁልዕነት ናብ ኮተቴ፡ ካብኡ ናይ ብጽሕነትን ሽምግልናን ብዘይ ሓጎጽጎጽ ይሰጋገር። ብመንጽር’ዚ ሕብረተሰብ ንኣባላቱ ዘምስለሉ ዘገምታዊ ጉዕዞ እንተርኢናዮ፡ ከም በዓል ኣነ ኣበይ መስርዕ ከም ዝበተኽና ይርኣየካ።
ቅድሚ ገለ መዓልታት ኣቢሉ፡ ምስ ኣዕሩኽን ናይ ቅድም መማህርትን ብሓባር እናዕለልና ከለና ከምዚ ትብል ዘረባ መጺኣ፤
"ንሕናስ ብተስፋ ናጽነት ኰቲትና፣ ብግዜ ናጽነት ድማ ናብ ብጽሕነት ሰጊርና፣ ኣብቲ ሞያውን ማሕበራውን ሓላፍነት እንወስደሉ ግን ተሰዲድና። ትምህርቲ ውን እንተኾነ፡ ነቲ ዝተመሃርናዮ ስነ-ሓሳብ (theory) ሒዝና ኣብ ዝተፈላለየ ሞያዊ ወይ ናይ መንግስቲ ቢሮክራሲ ኣቲና ኣየዕኮኽናዮን። በቲ ማሕበራዊ ጐድኑ ውን እንተዀነ ዘይተኣደነ ሃጓፍ’ዩ ዘለና ···።"
ነዛ ኣብ ማሕበራዊ ተሳትፎ ዘላትና ሃጓፍ ንምጉላሕ ሽዑ ሓደ ካባና፡ "ስድራና ኣብዚ ናትና ዕድመ እንከለዉ ዝመልኩዎን ዝዓምዎን ዝነበሩ እሞ ዘክሩ" ምስ በለ፡ ተተቐባቢልና ነናትና እናሰንዶና ነቲ ሃጓፋትና ናብ ወሽመጥ ኢና ቀዪርናዮ።
ገለ ካባና ቤተሰብ ኣሰንዮም ክበጽሑ እንዳ ጓል ዝኸዱ'ሞ፡ ዘይሓሰብዎ "በሉ···፡ ተዛረቡ···“፡ ምስተባህሉ ከምዛ ናይ ውዕይቲ ድንሽ፡ 'እንተወሓጥካያ ተንድደካ፡ እንተደርበኻያ ትጠፍኣካ'፡ ኰይናቶም ዝተዋጠሩ ነይሮም። ኣነ ብወገነይ፡ ኣብዚ ናተይ ዕድመ ዝበጽሑ’ሲ ቦኽሪ ጓሎም የመርዕው እዮም። ኣነስ ጓልካ ከተጋዝም እንተዝበሃል እንታይ ኮን ምገበርኩ ኢለ ሓሲበ። ወጥሪ ደኣ’ብሉኹም! ሓቂ ይሓይሽ ካብታ ኣብ ድኳን እናወዓልኩ ዘጥረኹዋ ናይ ዋጋ-ዕዳጋ ኣመት ዝሓይሽ እንዶ የብለይን።
በሉ ንኣኹም ከ ኣብ ማሕበራዊ ተሳትፎኹም ዘሰክፈኩም ሃጓፋት እንታይ ይመስል፧
©2019 ፍትዊ ወልዳይ
No comments:
Post a Comment