Saturday, June 12, 2021

ውጥንን ሓፈሻዊ ትሕተ-ቅርጽን ከተማ

ቅድመ-ጽሑፍ 

ዳርጋ ክልተ ዓመት ይገብር፡ ከም መቐጸልታ ናይ ሓንቲ ኣብቲ እዋን ዝጽሓፍኩዋ ጽሕፍቲ፡ “ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ብዛዕባ ውጥን ከተማታትና ክጽሕፍ ኢየ” ኢለ ተፋንየ ነይረ። ኣጀንዳታትና፡ ጫሌዳታቱን ገራዚኡን ብዙሕ’ንድዩ መቸም፡ መብጽዓይ ከይፈጸምኩ ክልተ ዓመት ኴይኑ። ሕጂ ግን ብዕቱብ፡ ንኣገዳስነትን ስፍሓትን እዚ ኣርእስቲ ርትዒ ይህብ’ዩ ብዝበልክዎ ቅጺ፡ ኣብ ሓጸርቲ (ከባቢ 10 ደቒቕ ዝምንውሐን) ምዕራፋት ከፋፊለ፡ በብእዋኑ ከቕርቦ ክፍትን’የ። ትሕዝቶ ናይዘን ምዕራፋት፡ ውጥን ከተማ ንውሑስ ኣጠቓቕማ መሬትን መጉዓዝያን፣ ርትዓዊ ምምቕራሕ ኣገልግሎታን ማሕበራዊ ልምዓትን (urban planning for resilient, sustainable and just cities) ብዝብል ጠማሪ ሕላገት ክጥርነፍ ይኽእል።

መእተዊ

ኣብ ሕብረተሰብና፡ ብዛዕባ ውጥን ከተማ ከም ሞያን ዓውዲ ምርምርን ዘሎ ኣፍልጦ ኣዝዩ ድሩት እዩ። ስለዝኾነ፡ ቅድሚ ናብ ሕመረት ናይ’ዘን በብእዋኑ ከቕረብን ዝተመባጻዕኩ ጽሑፋት ምእታወይ፡ ‘ውጥን ከተማ ከም ዓውዲ እንታይ ኢዩ፧’ ዝብል ሕቶ ብኸፊል ብምምላስ ክጅምር።

ዓውዲ ውጥን ከተማ (urban planning)፡ ንውጥንን ኣጠቓቕማን መሬት ከተማን ሓውሲ-ከተማን የጽንዕ፣ ውጥን ኣጠቓቕማ መሬት ይሕንጽጽ፣ ከም ሳዕቤን ኣጠቓቕማ መሬት ንዝኽሰቱ ብድሆታት፡ ረብሓታት ነበርቲ ብዘዛይድ መንገዲ የመሓድሮም። ገለ ካብ ዕማማት እዚ ዓውዲ፤ ውጥንን ዝርግሐን ናይ ከተማ ትሕተ-ቅርጺ፣ ውጥንን ምሕደራን መሬት ከተማ (ኣየናይ ክፋል መሬት ከተማ ንምንታይ መዓላ ክውዕል ከምዝግባእ ምውሳን)፣ ንህይወት ነበርቲ ከተማን ሓውሲ ከተማን ዘገድሱ ኣገልግሎታት (ቀረብ መጉዓዝያ፣ ቅርበት ንኮማውን ማሕበራውን ኣገልግሎታት)፣ ብከላ ኣየርን ንከባብያዊ ጥዕና ዝጸልዉ ንጥፈታትን፣ ወዘተ። ውጥን ከተማ ከም ሞያ፡ ብዛዕባ ምድላው ውጥንን፡ እቲ ውዱእ ውጥን ተቐባልነት ንኽህልዎ ክሓልፎ ብዛዕባ ዘለዎ መስርሕን ብማዕረ ኢዩ ዝግደስ። በዚ ከኣ፡ ንቴክኒካውን ፖለቲካውን ጎድንታት ኣዋሲቡ ኣብ ውዱእ ውጥን ይበጽሕ። ዓውዲ ውጥን ከተማ ሰፊሕን ዝተወደነ ውጽኢት ብዙሓት ዓውዳትን (multidisciplinary) ኴይኑ፡ ኣብ ውሽጡ ከም ምህንድስናን ስነ-ሕብረተሰብን (ፖለቲካዊ ስነፍልጠት፣ ስነ-ቁጠባ፣ ወዘተ) ዝኣመሰሉ ዓውድታት ይሓቁፍ። 

በዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ፡ ንጥፈታት ውጥን ከተማ  መጥመሪ ዘይብሉ ፋሕ ዘበለ ንጥፈታት ክመስል ይኽእል ይኸውን።በዛ እትስዕብ ሓጻር መብርሂት ብኸመይ ኣብ ሓደ ዓውዲ ከም ዝጥርነፍ ክገልጽ ክፍትን’የ። 

ኣጠቓቕማ መሬት ከተማ ክንብል ከለና፡ ነቲ ንዝተፈላለየ መዓላታት ዝሕዛእ መሬት ከተማ፤ ማለት ኣብ ባይታ ዝድኮኑ ከም ጽርግያ፣ ኣባይቲ፣ መናፈሲታት፣ ቦታታት ንግድን ስራሕን፣ መንግስታውያን ቤት-ጽሕፈታት፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብያተ እምነታት፣ ወዘተ ዝኣመሰሉ ድኩናት (structurs) ኢዩ ዘመልክት። ኣብ ቅርጺ መሬት ሓደ ከተማ፡ እዞም ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ዝህቡ ድኩናት፡ ገሊኦም ብሓንሳብ (ንኣብነት መንበሪ ኣባይቲ፣ ቤት-ትምህርትን ድኳን ኣስቤዛን)፣ ገሊኦም ከኣ ተፈናቲቶም ኢና እንረኽቦም። ንኣብነት፡ ቦታ ዕዮን መንበሪናን ካብ’ቶም ብዙሕ ተፈናቲቶም ዝድኮኑ ኢዮም። እዞም ዝተፈላለዩ ድኩናት፡ ኣብ ባይታ ዘለዎም ምፍንታት ብዘየገድስ፡ እቲ ዝጥርንፍዎ ንጥፈታት ንሓደ ነባሪ ኣገደሲ ኢዩ። ሓደ ነባሪ አዕጋብን ጥዑይን ህይወት ክህልዎ፡ ነዞም ንጥፈታት ኣዝዩ ከይተመግደረ ክበጽሖም ክኽእል ኣለዎ (accessibility within reasonable distance/time)። ውጥን ከተማ እምበኣር፤ እዞም እተፈላለዩ ኣብ ባይታ ዝድኮኑ ንጥፈታት ብኸመይን ኣበይን እንተተደኮኑ ኢዮም ኣብ መነባብሮ ዓይነታዊ ምምሕያሽ ዘምጽኡ፧ ኣየኖት ንጥፈታት ኢዮም ምሰ’የኖት ንጥፈታት ክጻመዱን ብሓንሳብ ክድኮኑን ዘለዎም፧ ከመይ ዝበለ ቅዲ ኣባይትን ከባቢታት መንብርን (residential and neighborhood design) ኢዩ ሕጉስን ጥዑይን መነባብሮ ዝምጥው፧ ንዝተፈናተቱ ንጥፈታት ዘራኽብ ጽፉፍን ምዕሩይን ናይ መጉዓዝያ ኣገልግሎት ኣሎ ዶ፧ ብሓባር፡ እዞም ዝተፈላለዩ ድኩናት ከመይ ዝበለ ውህደት ምስዝህልዎም ኢዮም ጥዕናን ርውየትን ነበርቲ ዘውሕሱን ብከላ ኣየርን ኣከባብን ዝንክዩን፧ ዝብሉን ነዚኦም ዝኣመሰሉን ኣገደስቲ ዛዕባታታት ይድህስስ።

ኣብ ዝቕጽላ ጽሑፋት፡ ብዛዕባ’ዘን ኣርባዕተ ሰፋሕቲ ኣርእስቲ በብእዋኑ ኣከታቲለ ከስዕብ’የ። 

  1. ተራ ውጥን ከተማ ኣብ ሲቪካዊ ንቕሓት

  2. ውጥን እንዳታት (Neighborhood design)፤ እብ ትሕቲ’ዚ ኣርእስቲ፡ ናይ ከተማ ሓባራዊ ቦታታት (ሓምላይ ትሕተ-ቅርጺ፣ ፓርክታትን ህዝባውያን መናፈሲታትን፣ መጻወቲ ቆልዑ፣ ወዘተ)፣ ኮማዊ ትሕተ-ቅርጺ ክቐርቡ ኢዮም።

  3. ናይ መጉዓዝያ ትሕተ-ቅርጺ፡ ብፍላይ ውሁድ ቅዲ ከተማን መጉዓዝያን (integrated land-use and transport planning) 

  4. ኣጠቓቕማን ቅድን መሬት ከተማ (sustainable land-use planning)፤ ኣብ ሕቑፊ’ዚ ኣርእስቲ ንኣመቓርሓን ኣጠቓቕማን መሬት ከተማ ኣመልኪተ ክጽሕፍ ኢየ። ብተወሳኺ ምስ ምስፋሕ ኣገልግሎታትን ዕቤት ከተማን ተትሓሒዙ ንዝመጽእ ጠለባት መሬት ንምፍታሕ ከም መፍትሒ ዝዝውተር ምግባት መሬት ኣብ ትሕቲ’ዚ ኣርእስቲ ተጠሚሩ ክቐርብ’ዩ።

ሰናይ ንባብ! 

ርእይቶኹም ካብ ምጽሓፍ ኣይትቆጠቡ።

                                                                        ይቕጽል

 ©2021 ፍትዊ ወልዳይ


No comments:

Post a Comment

Honoring Educators

There is a saying in my language, Tigrinya: “If someone shows you kindness, either return the favor or share their kindness with others”- ( ...