ሆሞ-ሶቭየቲከስን (Homo sovieticus) ስታሊንን
ብኣምሆይ ኣብ ቊ·2፡ “ኣብ ቁ·3 ብዛዕባ ስታሊንን ሆሞ-ሶቭየቲከስን (Homo sovieticus) ክጽሕፍ እየ” ኢለ እየ ተፋንየ። ከም መብጽዓይ ቊ·3 እነሆ። ዛንታ ስታሊንን ሆሞ-ሶቭየቲከስን ሰለይ ኣቢላ ናብ ኣርእስትና፡ ማለት ናብ “ሓድሽ ዝተማህዘ የልቦን፡ ሕማቕ ዛንታ ጥራይ እዩ ዝድገም ዘሎ” ከተሰጋግረና እያ። እንድያሞ፤
ሶቭየታውያን፡ ብፍላይ ከኣ ስታሊን መራሒ ኣብ ዝነበረሉ፡ ማርክሰ-ሌኒናዊ ዶክትሪን/ስነሓሳብ ብዛዕባ ሰብኣውነት (humanity) ዓሚቚ መረዳእታ ከኻዕብቱ ከም ዘኽኣሎም ይንየቱ ነይሮም። እቲ ዝገርም ግና፡ እቲ ቀሲምናዮ ዝበልዎ ልቦና፡ ዓመጽን በደልን ከጓንፍ ከሎ ዓገብ ከብል ዘኽእል ትብዓት፡ ትከሰስ!ኣብ መወዳእታ፡ ውጽኢት ከምዚ ዝበለ ስርዓት ናብ ምንታይ ጸርዩ እንተ ኢልኩም፤ ኣብ ክንዲ ብልቦናን ፈሪሃ እግዚኣብሄርን ዝልለ ዜጋ፡ ትብዓቱ ዝተሰልበ ብዘይ ገደብ ከገልግል ቅሩብ ዝዀነ (servility)፣ እንታይ ገደሸኒ (cynicism) ዝመለለይኡ ዋላ ንጸድፊ እናሃተፍካ ካብ ሰብካ ዘይምፍላይ (conformity)ብዝብል ባህርይ ዝግዛእ፡ ከም ጥሪት መጓሰ ብሓንቲ ስላዕ ዝኽብከብ ዜጋ ፈርዩ። መሪራ ድያ፧ ናተይ ቃል ኣይኰነን፣ ባዕሉ ኣሌክሳንደር ኣሌክሳንድሮቪች ዚኖቭየቭ (Alexander Alexandrovich Zinoviev) ኣስፊሑ ዝጸሓፈሉ እዩ። ኣለክሳንደር ዚኖቭየቭ (1922 – 2006)፡ ካብ እዋን ስታሊን ኣትሒዙ ፍላስፋን ጸሓፍን ዝነበረ ወዲ ሕብረት ሶቭየት እዩ። ኣሌክሳንደር ዚኖቭየቭ፡ ነቲ ሶቭየት ዘፍረየቶ ዓይነት ዜጋ ንምግላጽ ድማ እዩ ሆሞ-ሶቭየቲከስ (Homo sovieticus) ክብል ብኣስተሓቓር ዝጸሓፈሉ። ንሱ፡ ኣብ 1980ታት ንባህርያት ሆሞ ሶቭየቲከስ፡ ጥምር ኣቢሉ በዚኦም ባህርያት ገሊጽዎ ነይሩ፤
|
ባህርይ |
መግለጺ |
|
ብምእዙዝነት ንሰብካ ምሰል (Conformity) |
ኣብ ስርዓትን ሰበ-ስልጣናቱን ዘይተገደበ ምእዙዝነት ምህላው |
|
እንታይ ገደሸኒ (Cynicism) |
ኣብ ስርዓትን ሰበ ስልጣናቱን እምነት ዘጥፋእካ ክነስኻ ከም ተኣማኒ ኰንካ ምቕራብ |
|
ተጻረርቲ ሓሳባት (Doublethink) |
ተጻረርቲ ክውንነታትን ሓሳባትን ምእንጋድ። ኣብ ቃልዕ ተሓላቒ ስርዓት ምዃን፡ ኣብ በይንኻ ድማ ንስርዓት ምሕማይ፣ |
ጽግዕተኛ ምዃን (Dependenc) |
ንምምላእ መባእታዊ ዕለታዊ ድሌታት ኣብ ፍጹም ሰናይ ድሌት ስርዓት ምምርኳስ። |
|
ቅንኢ/ምሕሳድ (Resentment of Individual Success) |
ናብ ልዕሊ እቶም ካብቲ ስርዓት ንነብሶም ኣግሊሎም ዝዕወቱ ውልቀሰባት፡ ጥርጣረን ቅንእን ምህላው፣ 'ኣበይ ዝነበረ እዩ እዚ ኸ ···፧' ዝብል ስምዒታት |
|
ካብ ሓላፍነት ምህዳም (Avoidance of Responsibility) |
ጌጋታታት ዘይምቕባል፡ ጌጋታት ናብ ካልኦት ምጽጋዕን ንኻልኦት ምውንጃልን |
ዩቫል ሃራሪ፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዙ፡ ገበትቲ ስርዓታት ቀንዲ ቀዳምነቶም ልዑል ተማእዛዝነት
ዘለዎ ስርዓት (order) ኣብ ምህናጽ እዩ። ሓቂ (truth) ኣብ ቅድሚ እዚ ቀንዲ ዕላማዚ፡ ዕምሪ ይኹን ኣገዳስነት የብላን፡ ይብል። ብተጻዩ፡ ስጡም ስርዓት ንምህናጽን ንምዕቃብን ዘኽእል ኣገባባት ኩሉ ቅዱስ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ሓቂ ወግሐ ጸብሐ እያ ከም ገንሸል
ትስዋእ። ንመወሰኽታ፡ እዘን ዝስዕባ ካብ ናይ ዩቫል ሃራሪ መጽሓፍ ዝተወስዳ ጥቕስታት ክስዖይ ርኣዩወን።
“... to survive and flourish every human information network needs to do two things simultaneously: discover truth and create order.” Nexus PP 37.
“(The soviet system however)… Instead of producing
wisdom, it produced order, and instead of revealing the universal truth about
humans, it actually created a new type of human – Homo sovieticus.”
Nexus PP 258
እቲ ዝገርም፡ ኣብ መወዳእትኡ እዚ
ጠገለ ዘይብሉ ጠመተ ኣብ ተማእዛዚ ስጡም ስርዓት (order) ለካሚኦም እዩ ዝኸውን። እዛ ናይ ስታሊን ዛንታ ኣንቢብኩም ፍረዱ፤
“ስታሊን ኣብ ናይ ዕረፍቲ ቤቱ (ዳቻ)እንከሎ ብ 1 መጋቢት 1953 ልቡ ጠሊማቶ (ስትሮክ ገይርሩሉ)ዘርጠብ ኢሉ ወዲቑ። ሓገዝ ክጽውዕ ክሳዕ ዘይክኣሎ ስለ ዝተኻእለ ምስ ጥልቁይ ክዳውንቲ ለይቱ ንሰዓታት ኣብ ዝወደቖ ተሰጢሑ። ድሕሪ ነዊሕ ሰዓታት፡ ሓደ ካብ ሓለውቱ፡ ንነዊሕ እዋን ደሃይ ስለ ዝሰኣነ፡ ትብዓቱ ኣኻኺቡ ሰዓት 10፡30 ናይ ምሸት ናብቲ ስታሊን ዝርከበሉ ይመጽእ እሞ፡ ስታሊን ኣካላቱ ተመናኒሁ፡ ሽታ ሽንቲ ዓብሊኹዎ፡ ኣብ ምድሪቤት ተሰጢሑ ይረኽቦ። ድሕሪ ከባቢ 6 ሰዓታት፡ ወጋሕታ 2 መጋቢት ኩሎም ኣባላት ፖሊት ቢሮ፡ ናብታ ስታሊን ዝነበራ ዳቻ ይእከቡ። እንተዀነ፡ ካብ ኩሎም ተቢዑ ሓኪም ዝጽውዕ ወላ ሓደ ኣይነበረን። ንነዊሕ ሰዓታት ኣብኡ ተዓዚሞም ተጸብዮም። ሓኪም ክጽውዑ ዘየድፈሮም፡ “ብጻይ/ቱቫሪሽች ስታሊን ብር ኢሉ ውነኡ እንተመለሰ ኸ፧ ሓኪም ኣብ ዝባን ዓራቱ ክዝንቢ ምስ ረኣየ 'ክቐትሉኑ እዮም ዝኣልሙ ዘለዉ' ኢሉ ክሰሃለና!”ዝብል ራዕዲ እዩ። ኣብቲ እዋን ናይ ስታሊን ውልቃዊ ሓኪም ኣብ ስራሕ ኣይነበረን፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሉብያንካ ተሓይሩ ነይሩ። ምኽንያት መእሰሪኡ፤ ንብጻይ ስታሊን 'ዝያዳ ከተዕርፍ ኣለካ፡ ዕርፍቲ የድልየካ ኣሎ' ስለ ዝበሎ። መሸም፡ ድሕሪ ነዊሕ ሰዓታት፡ ኣባላት ፖሊት ቢሮ ኣብ መወዳእታ ሓኪም ክጽውዑ ምስ ወሰኑ፡ እቲ ኣብ ዝባኖም ኣንጠጥዩ፡ ከይውሕጦም ብፍርሂ ክጽበዩዎ ዝጸንሑ መዓት፡ ቅንጥጥ ኢሉ ሓሊፉሎም። ስታሊን፡ ካብታ ዝወደቓ ከይተንስአ፡ ሓገዝ ከይረኸበ ዓዲ'ዝግሄሩ ከይዱ።” Yuval Noah Harari (2024). Nexus. Pp.183-84.
ካብዚ ዝኸፍእ ውርደት ሲ እንታይ ኣሎ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ክፋእ ሲ ስብእና ዝቕንጥጥ ዶ ኣይኰነን። ውርደት ናይቶም ብራዕዲ ትብዓቶም ዝተሰልበ ሰብ ጽሩራታትን፡ ውርደት ናይቲ ሃገር ዘንቀጥቅጥ ዝነበረ ግና ኣብታ ወሳኒት እዋን ክፋኡ ዝሰትረሉ፡ ጥልቁይ ክዳን ለይቱ ቀይሩ ክብሪ ሰብ ዝህቦ ዝሰኣነ ስታሊንን!ብሕጊ ጫካ ዝዳኒ፡ ብግደኡ ብሕጊ ጫካ ከም ዝዳነ ዘይተኣደነ ኣብነታት እዩ ዘሎ። ናይ መብዛሕትኦም 'ፍጹም ገበትቲ' ስርዓታት መፈጸምታ ድማ ከምዚ እዩ፣ ብፍላይ እኳ እቶም ኣብ ማሕበራዊ ይኹን ቁጠባዊ ጽላታት ዝኰነ ይኹን እወታዊ ስንብራት ዘይገደፉ።
“ሓድሽ ዝተማህዘ የልቦን፡ ናይ ካልኦት
ሕማቕ ዛንታ ጥራይ ኢና ንደግም ዘሎና” ዶ ትብሉ ኣሎኹም፧
ዛንታ ካልኦት ከነንብብ ከሎና፡ ካብ ነብስና ኣርሒቕና ከም ዘይናትናን ዘይምልከተናን ጌርና ምፍዃስ፡ ናህና ናይ ሰባት ልሙድ ባህርይ እዩ። እንተዀነ ርሑቕ ምምዕዳው ኣየድልየናን እዩ። ሕሰቡዎ'ንዶ፤ ከሐንቅቕዎም ዝግብኦም ዕሸላት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ክከላበቱ፡ ብጅምላ ክስደዱ ሰስ ዘይብሉ፣ ወለዶም፡ ሓዳሮም፡ አሕዋቶምን መጋድልቶምን ክእሰሩ ምዕጒቲ ዘይመልሱ፣ ደቆም፡ እታ ንሶም ደምን ጨውን ርሂጾም፡ ተጋዲሎም ዝሓረርዋ ሃገር ኣሺዃቶም፡ ግደ ባሕርን በረኻን፡ ግደ ኣራዊትን በደዊንን ክዀኑ እንከለዉ፡ ‘ቅድሜኹም ደቀይ’ ክብሉ ዘይተብዑ ሰብ ጽሩራ፣ ብገዛእ ፍቓዶም ንርእሶም ዘፍርሱ (ታሕሳስ 2002) ኣባላት ባይቶ፣ እስከ ሰማይ ዝሃገርኩም ካብዞም ኣብ እዋን ስታሊን ዝነበሩ ፖሊት ቢሮ ብምንታይ ይፍለዩ፧ ካብ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ዝዀነ ሆሞ ህግደፊከስ ይስተረና፡ ኣሜን ሰለስተ ግዜ!
ሓድሽ ዝተማህዘ የልቦን፡ ሕማቕ ዛንታ
ጥራይ እዩ ዝድገም ዘሎ!
No comments:
Post a Comment