ዝተቐየረ እንተ’ልዩ ቅኒት መደረን ጭርሖታትን ጥራይ እዩ። ብጭርሖን ኲርማጅን ድልዱል መንነት ዝህነጽ፡ ሃገር ከኣ ትሕንበብ እንተትኸውን፡ ናይ ስታሊን ሶቭየት ምቘመት፡ ናይ መንግስቱ ኢትዮጵያ ምተሓምበበት። እሞ ናይ ኤርትራ ድኣ እንታይ እዩ ሽንኑ፧ መንግስቱ ብ17 ዓመታት ይሕመ፡ ኤርትራ ካብ 2000 ዓ/ም ክሳዕ ለይቲ ሎም፡ ኣብ ርብዒ ዘበን እንታይ ረብሐት፧
ኣብ መእተዊ፡ “ሓድሽ ዝተማህዘ የልቦን፡ ዝተመርጸ ናይ ካልኦት ሕማቕ ዛንታታት ጥራይ ኢዮ ዝድገም ዘሎ” ኢለ ኣለኹ። ምናልባት፡ ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ መንገዲ ቀይሳ፡ ባዕላ ትቈጻጸሮን ተመሓድሮን መርሃ ፖለቲካ ሒዛ ትኸይድ ዘላ ንዝመስለኩም፡ ካብ ጭርሖታትን መደረን እልይ ኢልና፡ ብግብሪ ኣብ ዝተሰርሐ እስከ ንጠምት። ኦም ብፍረኡ፡ መንግስቲ ድማ ብስርሑ እንድዩ ዝምዘን፡ እስከ ርኢና ንመስክር።
ኣብነት ቁ·1፡ ርእሰ-ምርኰሳ (self reliance)፤
ርእሰ-ምርኰሳ ብዘየወላውል ብሉጽ ቊጠባዊ መርሃ ወይ ኣምር እዩ፣ ብፍላይ እኳ ኣብ ሓንቲ ድኻ ሃገር። ርእሰ-ምርኰሳ ንኽሰርሕ ግና፡ ኣብ ምህናጽን ምውህሃድን ሰብኣዊ ዓቕምን ነገራዊ ሃብትን ዘይተኣደነ ትግሃትን ጻዕርን እዩ ዝሓትት። ርእሰ-ምርኰሳ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድሕሪ ዓመተ-2000 ከ ኣብ ተግባር ከመይ ይመስልን ብምንታይ ይግለጽን፧ መደምደምታይ፤ ንኹሎም ኣዕኑድ ርእሰ-ምርኰሳ ብምፍራስ እዩ ዝግለጽ። ኣይፋል ኢሉ ክምጒት ወይ ክእርመኒ ዝደሊ ብኽብሪ እዕድም። ኣብነታት ንምጥቃስ፤ 1)ምድናስ ብሕታዊ ትካላት፣ 2)ፍጹም ምርጋጥ ትካላት ህንጻን ናይ ህንጻ ስራሕን ካብ 2006 ክሳዕ ሕጂ፣ 3)ዜጋታት ኣብ ዓዶም ከየውፍሩ ኩሉ መዓጹ ምዕጻው(ውህለላ ዜጋታት ብናይ ወጻኢ ሸርፊ፡ ብኲራት ሕግታት ወፍሪ፡ ምልሕላሕ ተኣማንነት ፈጻሚ ኣካል፡ ወዘተ)። ስለዚ፡ ርእሰ ምርኰሳ መጠረዚ ገበር ወይ ጭርሖ ጥራይ እዩ። ፍረኡ ከም ዝምስክሮ፡ እቲ ዝተሰርሐ ምስ ኣምራት ርእሰ-ምርኰሳ ፍጹም ዝጻረር እዩ።
ኣብነት ቁ·2፤ ምጽባብ ጋግ ዝርግሐ ኣገልግሎታት ኣብ መንጎ ከተማን ገጠርን፤
ከተማታት፡ ኣብ ጸቢብ ጂኦግራፊያዊ ዓንኬል ዝበዝሐ ህዝብን ቊጠባን ዘአንግዳ ከም ምኻነን መጠን፡ ብተዛማዲ ካብ ገጠራት ዝሓሸ ትሕተ ቕርጺ ይጠልባ፣ ዝሓሸ ውዳበን ቀረብን ኣገልግሎታት ውን ይጠልባ። ኣብ ከተማታ ዝቕረብ ኣገልግሎታት ብቐሊሉ ክዕቀንን ፍርያምነት ዕዮ ክግምገምን ይኽእል፣ ብቐሊሉ ጌጋታት ክልለዩ፡ ስንፍና ክንቀፍን መንፍዓት ክንኣድን ይከኣል። ካብዚ ኩሉ ዓዛባ ክትገላገል እታ ዝቐለለት መገዲ፡ ዘይምስራሕ እያ። ኣብ ክንዲ ቀረብ ኣገልግሎታት ኣብ ገጠራት ምብራኽ፡ ከተማዊ ኣገልግሎታት ካብ ምቕራብ ፍጹም ብኲራት ምእዋጅ። ምስ ኢደ እግርኻ ከለኻ ድዉይ ክትቅየር ከለኻ ከም ማለት እኳ እዩ፣ ሕየው፡ ኣይረድ!“ምዕሩይ ዝርግሐ ኣገልግሎታት ኣብ መንጎ ገጠርን ከተማን”፡ ከመይ ይሰማምዓና ኣሎ፧ ምንጋር የድሊ ዶ ይኸውን፡···፧
እዘን ዝጠቐስኩወን፡ ካብቲ ጨው ዝፈረየ ብዙሕ ፖሊሲታት (ጭርሖታት ተባሂሉ ይነበብ)፡ ቊንጣሮ ኣብነታት ጥራይ ምዃነን ተገንዘቡለይ። ክልቲአን ድማ ናብ ሓደ እየን ዝእምታ፤ ህዝቢ ከባቢኡ ተዓዚቡ፡ ጽቡቕ እንተተመንዩ፡ እሞ “ንሕና ኸ ንምታይ ከምዚ ዘይህልወና፡ ከምቲ ዘይነፍሪ፡ ብትምህርቲ ብሞያ ብቴክኖሎጂ ዘይንስጉም፡···”፡ ዝብሉ ሕቶታት ከይተበገሱ ንምቕንጻሎም ዝዓለመ እዩ።
ሓዙኒ ደኣ፡ ኣለኹ ኣይወዳእኩን። እዘን ክልተ ጭርሖታት ብመን ይዝውተራ ከምዝነበራ ትፈልጡዶ፧ ብፖልፖት ዝምራሕ ስርዓት ኽመር ሩጅ (Khmer Rouge)! እወ፡ ልክዕ ኣንቢብኩም ኣለኹም፣ ፖልፖት መራሒ ካምቦድያ ዝነበረን፡ ብዘጸይን ጽንተት ገዛእ ህዝቡ ዝፍለጥን መራሒ። ንቕምሶ ዝኸውን ምስ'ዘን ሰለስተ መትከላት ኽመር ሩጅ ዘንጸባርቓ ጭርሖታት ክሓድገኩም፤
1. Independence-Mastery Self-Reliance - (Neak Svarak-Vichear-Amnach Angkal)
2. Build the country with our own hands.
3. No rich, no poor. All are equal.
ድሕረ-ጽሑፍ (ድ·ጽ·) - ኣብ ግዜ ንመይሪ እዩ እመስለኒ፡ ሱዳናውያን ኣሕዋትና ውን “ነእኲል ምነነዝራዕ ወነልበስ ምነነስናዕ" ይብሉ ነይሮም ዝብል ዶ ሰሚዐ ነይረ ሓቀይ 🙂
ደጊመ፡ ሓድሽ ዝተማህዘ የልቦን፡ ሕማቕ ዛንታ ጥራይ እዩ ዝድገም ዘሎ!
ተቋጺርኩም ኣይበለና፡ ኣብ ቁ·3 ብዛዕባ ስታሊንን ሆሞ-ሶቭየቲከስን (Homo sovieticus) ክጽሕፍ እየ።
No comments:
Post a Comment